ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 11-15

እዮብ ኣብ ትንሳኤ ምትእምማን ነበሮ

እዮብ ኣብ ትንሳኤ ምትእምማን ነበሮ

እዮብ፡ ኣምላኽ ካብ ሞት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ይኣምን ነበረ

14:7-9, 13-15

  • እዮብ፡ ኣምላኽ ካብ ሞት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ዘለዎ ምትእምማን ንምግላጽ፡ ኦም፡—ምናልባት እውን ኦም ኣውልዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ከም ምሳሌ ተጠቕመ

  • ኦም ኣውልዕ ሰራውሩ ኣስፊሑ ስለ ዚሰድድ፡ ጕንዱ ምስ ተቘርጸ እውን ከም ብሓድሽ ኪበቍል ይኽእል እዩ። እቲ ሱሩ ኽሳዕ ዘይተቘርጸ፡ እቲ ኦም ከም ብሓድሽ ኪጥጥዕ ይኽእል እዩ

  • እዋን ደርቂ ሓሊፉ ዝናም ኪዘንም ምስ ጀመረ፡ እቲ ነቒጹ ዝነበረ ጕርማጽ ኦም ኣውልዕ ካብ ሱሩ ኺጭብጭብ ይጅምር እዩ፣ እወ፡ “ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር” እዩ