ኣስቴር ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ፡ ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ስጕምቲ ወሰደት
ኣስቴር ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ንየሆዋን ንህዝቡን ተሓለቐትሎም
-
ኣስቴርን ማርዶካይን ብደሓን ይነብሩ ነበሩ። ሃማን ንዅሎም ኣይሁድ ንምጽናት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ግና፡ ናብ ኵሉ ዅርናዓት እቲ ግዝኣት ተዘርጊሑ ነበረ
-
ኣስቴር ከይተጸውዐት ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብምቕራብ፡ ከም ብሓድሽ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወታ። እቲ ንጉስ ነቲ ኣዋጅ ምእንቲ ኺስርዞ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ህዝባ እናበኸየት ለመነቶ
-
ብስም ንጉስ እተመሓላለፈ ትእዛዝ ኪስረዝ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ንጉስ ንኣስቴርን ንማርዶካይን ሓድሽ ሕጊ ጽሒፎም ኬመሓላልፉ ስልጣን ሃቦም