ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ኣዳሉ

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ኣዳሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ደብተር ኣኼባ ዚወጽእ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ጠቓሚ ሓሳባት ክንረኽበሉ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኣስተዋጽኦ ጥራይ እዩ። ብናትካ ኣበሃህላ ጌርካ ኸተቕርቦ ኣሎካ። ካልእ ኣቀራርባ ኽትጥቀም እውን ትደሊ ትኸውን፡ ወይ ከኣ ምስ ክልኻ ዚሰማማዕ ካልእ ኣርእስቲ ትመርጽ ትኸውን። ከምኡ ኽትገብር ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ነታ መጽሔት ምስ ኣንበብካያን ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ምስ መርመርካዮን ነታ መርኣያታት ዝሓዘት ቪድዮ ምስ ረኣኻያን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ንምድላው ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

‘ሓደ ኻብቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ክጥቀም እደሊ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት

እወ

  • ንመእተዊ እትጥቀመሉ ቓላት ተዳሎ። ኣብቲ ኸባቢ ልሙድ ብዝዀነ መገዲ ሰላምታ ምስ ኣቕረብካ፡ ስለምንታይ ከም ዝመጻእካ ብንጹር ግለጽ። (ንኣብነት ከምዚ በል፦ “ናብዚ ዝመጻእኩሉ ምኽንያት . . . ”)

  • ካብ ሕቶ ናብ ጥቕስን ናብ መፋለጥን ብኸመይ ከም እትሰጋገር ሕሰብ። (ንኣብነት፡ ጥቕሲ ንምፍላጥ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ ኣብዚ ኺርከብ ይከኣል እዩ።”)

ኣይፋልን

  • ካብታ መጽሔት፡ ዝፈተኻያን ኣብ ክልኻ ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልዋ ዚኽእልን ኣርእስቲ ሕረ

  • ነቲ ብዓል ቤት ከይተዋጠረ ኺሓስብን ምላሽ ኪህብን ዚድርኾ ሕቶ ኣዳሉ። (ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ገጽ 2 ናይ መጽሔታት ዘሎ ሕቶታት ርአ።)

  • እተንብባ ጥቕሲ ሕረ። (ንቕሑ! ተበርክት እንተ ዄንካ፡ እዛ መጽሔት እዚኣ ነቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሎም ወይ ሃይማኖት ዚብሃል ዘይኣምኑ ተባሂላ ስለ እትዳሎ፡ ጥቕሲ ኸተንብብ ኣየድልየካን ይኸውን።)

  • እቲ ብዓል ቤት ነቲ ዓንቀጽ ብምንባብ ብኸመይ ከም ዚጥቀም ዚገልጽ ሓደ ወይ ክልተ ምሉእ ሓሳብ ኣዳሉ

ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ እትምልሳ ሕቶ ኣዳሉ

  • ነቲ ኣብ ቀጻሊ ምብጻሕ እትብሎ ምእንቲ ኽትዝክሮ፡ ጽሓፎ