ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም

ንኣጋይሽና ብሓጐስ ንቀበሎም

23 መጋቢት ኣስታት 12 ሚልዮን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዕዱማት ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ንጽበ። መደረ ዜቕርብ ተዛራባይ ብዛዕባ እቲ ውህበት የሆዋ ዝዀነ በጃን ደቂ ሰብ ብእኡ ኣቢሎም ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚረኽብዎ እተወሰነ በረኸትን ኪገልጽ እዩ። (ኢሳ 11:6-9፣ 35:5, 6፣ 65:21-23፣ ዮሃ 3:16) ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ምስክርነት ዚህብ፡ እቲ ተዛራባይ ጥራይ ኣይኰነን። ኵላትና ንዕዱማትና ምዉቕ ኣቀባብላ ብምግባር ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:7) ገለ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገድታት እንሆ፦

  • እቲ መደብ ክሳዕ ዚጅመር ኮፍ ኢልና ጥራይ ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ ነቶም ዚመጹ ዕዱማትን ዘይንጡፉትን ብፍሽኽታን ብምቕሉል ሰላምታን ንቀበሎም

  • ነቶም ዝዓደምናዮም እንፈልጦም ሰባት ፍሉይ ኣቓልቦ ንገብረሎም እኳ እንተ ዀንና፡ ነቶም ወረቐት ዕድመ በጺሕዎም ናብኡ ዝመጹ ዕዱማት እውን ኣቓልቦ ንግበረሎም። ዕዱማት ምሳና ኾፍ ኪብሉ ንዓድሞም። መጽሓፍ ቅዱስናን መጽሓፍ መዝሙርናን ነርእዮም

  • ድሕሪ እቲ መደረ፡ ሕቶታቶም ክንምልስ ከም እንኽእል ንሓብሮም። ነቲ መአከቢ ኻልእ ጉባኤ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ ጉባኤና ቐልጢፋ ኽትወጽእ ዚግብኣ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ክትበጽሖ ቘጸራ ግበር። ኣድራሻኡ እንተ ዘይብልና፡ “ብዛዕባ እዚ ኣኼባ ኸመይ ከም እተሰምዓካ ኽፈልጥ ምደለኹ። ብኸመይ ክረኽበካ እኽእል፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና።