ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ

ሕቶ፦ ነዘን ፍሉጣት ቃላት እዚአን ሰሚዕካየን ትፈልጥዶ፧

ጥቕሲ፦ ዮሃ 3:16

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ስቓይን ሞትን የሱስ ንዓኻ እንታይ ጥቕሚ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ትገልጽ።

ግምቢ ዘብዐኛ (ኣብ ድሕሪት ገጽ)

ሕቶ፦ ነዛ ሕቶ እዚኣን ነቲ ብዛዕባኣ ዚውሃብ ልሙድ መልስታት እሞ ኣስተብህለሉ። [ነታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ምስ ኣማራጺታታ ኣንብባ።] እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጥቕሲ፦ ማቴ 4:1-4

መፋለጢ፦ ድያብሎስ ንየሱስ ካብ ኣዘራረቦን ካብ ፈተኖን፡ ንእኩይ ባህርይ ጥራይ ዜመልክት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድያብሎስ ካልእ እንታይ ይብል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ትገልጽ።

ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ

መፋለጢ፦ ነዛ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ኽትእከብ እትዕድም ወረቐት ዕድመ ንዕድል ኣለና። [ነታ ወረቐት ዕድመ ነቲ ብዓል ቤት ሃቦ።] ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ 23 መጋቢት ንሞት የሱስ ክርስቶስ ንምዝካርን ሞቱ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ዚገልጽ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ብዘይ ክፍሊት ንምስማዕን ኪእከቡ እዮም። እዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ከባቢና ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ። ትኽእል እንተ ዄንካ፡ በጃኻ ምጻእ ኢኻ።

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።