ኣብ ኣልባንያ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ሰብኣይ ናብ ድራር ጐይታ ይዕድምዎ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ መጋቢት 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ ንምብራካትን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ”

የሆዋ ኣምላኽ ንኤርምያስ ነብዪ ገይሩ ኪሸሞ ኸሎ፡ ኤርምያስ ነቲ ሓላፍነት ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰምዖ። የሆዋ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣቋረጹ

እስራኤላውያን እቲ ብልምዲ ዚግበር መስዋእቲ ንሕማቕ ተግባራት መሸፈኒ ዚኸውን ይመስሎም ነበረ። ኤርምያስ ንሓጢኣቶምን ንግብዝናኦምን ብትብዓት ኣቃልዖ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

በዛ ብሮሹር እዚኣ ተጠቒምካ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ብዛዕባ ንጥፈታትናን ብዛዕባ ውድብናን ምሃሮም።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ደቂ ሰብ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ዚኽእሉ፡ መምርሒ የሆዋ ምስ ዚስዕቡ ጥራይ እዩ

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ እቶም ንመምርሒታት የሆዋ ዚስዕቡ፡ ሰላምን ሓጐስን ብልጽግናን ነበሮም።

ክርስትያናዊ ህይወት

ንኣምላኽ ስምዓዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

ስእልታትን ጥቕስታትን ተጠቒምካ ነቶም ምንባብ ዜሸግሮም ሰባት መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሃሮም።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እስራኤላውያን ንየሆዋ ረሲዖምዎ

የሆዋ ኣምላኽ ንኤርምያስ፡ 500 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ኪኸይድን ዕጣቕ ኪሓብእን ኪነግሮ ኸሎ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣባላት ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ኺዝክርዎ ሓግዞም

ስሩዕን ትርጉም ዘለዎን መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ንኣባላት ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ኺዝክርዎ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ከይትገብር ዕንቅፋት ንዚዀነካ ልሙድ ጸገማት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧