ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

እታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ምስ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታ ወይ ኣብ መወዳእታ እዋን መጽናዕቲ ኽንመያየጠላ ተባሂላ እያ ተዳልያ። * ትምህርቲ 1 ኽሳዕ 4 ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳና የላልዮም፣ ትምህርቲ 5 ኽሳዕ 14 ብዛዕባ ንጥፈታትና ኺምሃሩ ይሕግዞም፣ ትምህርቲ 15 ኽሳዕ 28 ድማ ውድብና ብኸመይ ከም ዚዓዪ ይሕብሮም። ሓደ ሰብ ብፍላይ ዝያዳ ዜገድሶ ትምህርቲ እንተ ዘየልዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ትምህርቲ ብመስርዕ እንተ ወሰድናዮ ዝበለጸ እዩ። ኵሉ እቲ ትምህርትታት ሓደ ገጽ ጥራይ ስለ ዚሽፍን፡ ምስ መብዛሕትኦም ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ደቒቕ ምይይጥ ምግባር ይከኣል እዩ።

  • ነታ ሕቶ፡ ማለት ንኣርእስቲ እቲ ትምህርቲ ኣርእዮ

  • ነቲ ትምህርቲ ሓቢርኩም ከተንብብዎ ወይ ከኣ በብኽፋል ኣንቢብኩም ክትመያየጠሉ ትኽእሉ ኢኹም

  • ነቲ ዘንበብኩምዎ ተመያየጥሉ። ነቲ ኣብ እግሪ እቲ ገጽ ዘሎ ሕቶታትን ስእልታትን ተጠቐመሉ። ነቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ከከም ኣድላይነቱ ኣንብብዎን ተመያየጡሉን። እቲ ብድሙቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስታት ነቲ ኣብ ኣርእስቲ ዘሎ ሕቶ ኸም ዚምልሶ ኣጕልሓሉ

  • “ንተወሳኺ ሓበሬታ” ዚብል ሳጹን እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ሓቢርኩም ኣንብብዎ፡ ተምሃራይካ ኣብቲ ምይይጥ ኪከታተለካ ድማ ኣተባብዓዮ

^ ሕ.ጽ. 3 እቲ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ሕታም እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተተርጐመ ኽፋል እታ ብሮሹር እዩ።