ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንኣምላኽ ስምዓዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

ንኣምላኽ ስምዓዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ነቶም ምንባብ ዜሸግሮም ሰባት መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብስእላዊ መገዲ ንምምሃር ተባሂላ እያ ተዳልያ። እቲ ትምህርቲ ዚጅምረሉ ኽልቲኡ ገጻት እታ ብሮሹር፡ ብጥንቃቐ እተዳለወ ስእልታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክትመያየጥ ከለኻ ኻብ ሓደ ስእሊ ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ስእሊ ኽትሳገር ዚሕብረካ ምልክት እውን ኣለዎ።

ኣብታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ዘሎ ስእልታት፡ ምስቲ ኣብታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ዘሎ ስእልታት ሕደ እዩ። ይኹን እምበር፡ እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር ዝያዳ ጽሑፍ ስለ ዘለዋ፡ እቶም ብእተወሰነ ደረጃ ኼንብቡ ዚኽእሉ ሰባት ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣስፋሕቲ እቲ ተምሃራዮም ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ምስ ዚጥቀም፡ ነታ ዝያዳ ጽሑፍ ዘለዋ ብሮሹር ከም መምሃሪ ኺጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ ገጻት፡ ንኽእለት እቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክትመያየጠሉ እትኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሓዘ ሳጹን ኣለዎ።

ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዚዕደል ጽሑፍ ካልእ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብተን ብሮሹራት ንሓንቲአን ከተበርክት ትኽእል ኢኻ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ፡ ነቲ ስእላዊ መግለጺ፡ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምብራህ ተጠቐመሉ። ነቲ ተምሃራይ ምእንቲ ኸተሳትፎን ከም እተረድኦ ምእንቲ ኸተረጋግጽን ሕቶታት ሕተቶ። ንዅሉ እቲ ኣብ ታሕቲ እቲ ገጻት ዘሎ ጥቕስታት ኣንቢብካ ግለጸሉ። ተምሃራይካ ዕቤት ገይሩ ናብ ጥምቀት ምእንቲ ኺበጽሕ ነታ ብሮሹር ምስ ወዳእኩምዋ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ይምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣጽንዕዋ።