ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣባላት ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ኺዝክርዎ ሓግዞም

ኣባላት ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ኺዝክርዎ ሓግዞም

ኣይሁድ ንየሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝረስዕዎ፡ ኤርምያስ ጥፍኣት ከም ዜንጸላልዎም ኬጠንቅቖም ተመዚዙ ነበረ። (ኤር 13:25) እቶም ህዝቢ ናብዚ ዜሕዝን መንፈሳዊ ዅነታት ዝኣተዉ ብኸመይ እዮም፧ ስድራ ቤታት እስራኤል መንፈሳውነተን ኣጥፊአን ነበራ። ርእስታት ስድራ ቤት ነቲ ኣብ ዘዳግም 6:5-7 ተመዝጊቡ ዘሎ መምርሒ ኣይስዕቡን እዮም ነይሮም።

ብመንፈስ ድልዱላት ስድራ ቤታት ንርግኣት እተን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታትና ኣበርክቶ ይገብራ እየን። ርእስታት ስድራ ቤት፡ ስሩዕን ትርጉም ዘለዎን መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ብምግባር ስድራ ቤቶም ንየሆዋ ኽትዝክሮ ኺሕግዝዋ ይኽእሉ እዮም። (መዝ 22:27) ነታ እዚ . . . ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን” —ቃለ መጠይቕ ስድራ ቤታት ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ረኣኹምዋ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሱ፦

  • ገሊአን ስድራ ቤታት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከይገብራ ዚዕንቅፍ ልሙድ ጸገማት ብዓወት ዚሰግራኦ ብኸመይ እየን፧

  • ስሩዕን ትርጉም ዘለዎን መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ ዓስቢ ኣለዎ፧

  • ንኣምልኾ ስድራ ቤት ብዚምልከት እንታይ ጸገማት ኣሎኒ፧ ነቲ ጸገም ንምፍታሕከ እንታይ ጻዕሪ እየ ዝገብር፧