ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 12-16

እስራኤላውያን ንየሆዋ ረሲዖምዎ

እስራኤላውያን ንየሆዋ ረሲዖምዎ

የሆዋ ነቲ ነቓጽ ትዕቢት ይሁዳን የሩሳሌምን ኬጥፍኦ ወሲኑ ነበረ፣ ኤርምያስ ድማ ነዚ ጥፍኣት እዚ ብምሳሌ ዜብርህ ኣጸጋሚ ዕዮ ተዋሂብዎ ነበረ።

ኤርምያስ፡ ዕጣቕ በፍታ ኣምጽአ

13:1, 2

  • እታ ዕጣቕ ኣብ ሕቘ ምጥባቓ፡ ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ህዝቡን ኪህሉ ዚኽእል ዝነበረ ጥብቂ ርክብ የመልክት

ኤርምያስ ነታ ዕጣቕ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ወሰዳ

13:3-5

  • ኣብ ነቓዕ ከውሒ ሓቢእዋ ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ

ኤርምያስ ነታ ዕጣቕ ኬምጽኣ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ ተመልሰ

13:6, 7

  • እታ ዕጣቕ ተበላሽያ ነበረት

ኤርምያስ ነቲ ዕዮ ምስ ፈጸሞ፡ የሆዋ ነቲ ጕዳይ ኣብርሆ

13:8-11

  • ኤርምያስ ኣብቲ ጢጥ ቅሚጥ ዚመስል ነገር እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ልቡ ንየሆዋ ይእዘዞ ምንባሩ፡ ኣብቲ የሆዋ ንልቢ እቶም ህዝቢ ንምትንካፍ ዝገበሮ ጻዕሪ ግደ ነይርዎ እዩ