6-12 መጋቢት
ኤርምያስ 1-4
መዝሙር 7ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ”፦ (10 ደቒቕ)
[መእተዊ ኤርምያስ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]
ኤር 1:6—ኤርምያስ ሓድሽ መዝነት ንምቕባል ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰምዖ (w11 15/3 29 ¶4)
ኤር 1:7-10, 17-19—የሆዋ ንኤርምያስ ኬበርትዖን ኪሕግዞን ቃል ኣተወ (w05 15/12 24 ¶18፣ jr 88 ¶14-15)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ኤር 2:13, 18—እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን እንታይ ክልተ ኽፉእ ነገራት ገበሩ፧ (w07 15/3 10 ¶1)
ኤር 4:10—የሆዋ ንህዝቡ ‘ዘታለሎም’ ብኸመይ እዩ፧ (w07 15/3 9 ¶4)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኤር 4:1-10
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ኣብቲ “ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት” እተመስረተ ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዜርእያ ቪድዮታት ወልዓየን፣ ደድሕሪ ሓንቲ ቪድዮ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጡሉ።
ክርስትያናዊ ህይወት
ውድባዊ ዕማማት፦ (7 ደቒቕ) ኣብ መጋቢት ነታ ውድባዊ ዕማማት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።
18 መጋቢት ዚጅምር ወፈራ በዓል ዝኽሪ፦ (8 ደቒቕ) ኣብ ናይ ለካቲት 2016 ህይወትን ኣገልግሎትን ደብተር ኣኼባ ኣብ ገጽ 8 እተመስረተ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። ንዅሎም ኣስፋሕቲ ሓሓንቲ ቕዳሕ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ኸም ዚዕደል ግበር፣ ድሕሪኡ ነቲ ትሕዝቶኣ ተመያየጡሉ። ክሊ እታ ጉባኤ ንምሽፋን እተገብረ ምድላዋት ድማ ግለጽ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 10 ሕ.ጽ. 1-11፡ “እቲ ብግዜ ኤልያስ ዝነበረ ደርቂ ንኽንደይ ዚኸውን ግዜ እዩ ጸኒሑ፧” ዘርእስታ ሳጹን
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 98ን ጸሎትን