ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ

ሕቶ፦ ኣምላኽ ዝሃበና ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት እንታይ እዩ ምበልካ፧

ጥቕሲ፦ ዮሃ 3:16

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ስለምንታይ ምእንታና ኺመውት ናብ ምድሪ ኸም ዝለኣኾን ንሕና ድማ ነዚ ውህበት እዚ ሞሳና ብኸመይ ክንገልጽ ከም እንኽእልን ተጕልሕ።

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ሕቶ፦ [ገበር እታ ትራክት ኣርእዮ።] ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ዘላ ነገር ድያ፧ ስእላዊ ዘረባ፧ ወይስ ኣብ ሰማይ ዘላ ምምሕዳር፧

ጥቕሲ፦ ዳን 2:44፣ ኢሳ 9:6፡ እ.ጽ.

መፋለጢ፦ እዛ ትራክት እዚኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ክትጠቕመካ ኸም እትኽእል ትገልጽ።

ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ

መፋለጢ፦ ንሰባት ናብ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ንዕድም ኣለና። [ወረቐት ዕድመ ዓድል።] ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቚጸሩ ሰባት፡ ኣብ 11 ሚያዝያ ንሞት የሱስ ንምዝካርን ሞቱ ብኸመይ ኪጠቕመና ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ብናጻ ዚቐርብ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ንምስማዕን ኪእከቡ እዮም። እዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ከባቢና ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ። ክትመጽእ ተስፋ ንገብር።

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።