ኣብ ስሎቨንያ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ይዕድሙ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ መጋቢት 2018

ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት

ኣብ ወፈራ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽርን ሕቶታትን እተመስረተ ዝርርባት፦ የሱስ ስለምንታይ እዩ ሞይቱ፧ እቲ በጃ እንታይ እዩ ዓሚሙ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን”

ተፈላጥነትን ውዳሰን ኣብ ዜምጽኣልና ዓይነት ኣምልኾ ዲና ብቐዳምነት እነተኵር፧ ትሑት ኣገልጋሊ፡ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ዜስተብህለሉ ግብሪ እዩ ዚገብር።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ሓልወን

የሱስ እተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት እንታይ ከም ዝዀና እዩ ተዛሪቡ፧ ነዘን ትእዛዛት እዚአን ከም እንሕሉ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ነታ ንኣምላኽን ንብጻይካን ዘላትካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተማዕብላ ትኽእል፧

ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነፍቅር ኣሎና። ነዚ ፍቕሪ እዚ ኸነማዕብል እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብመንፈስ ንቑሕ ኩን

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ዚገብርዎ ልሙድ ነገራት፡ መንፈሳዊ ነገራት ከይስዕቡ ዕንቅፋት ኪዀኖም ፈቒዶምሉ እዮም። ብመንፈስ ንቑሓት ዝዀኑ ክርስትያናት ካብ ካልኦት እተፈልዩ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ናብ መወዳእታ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ቀሪብና ኣለና

ቃላት የሱስ፡ ግዜ መወዳእታ ኣብ ዚጽንቀቐሉ እዋን ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ እዝን ካልእ ሕቶታትን ኣብታ ናብ መወዳእታ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ቀሪብና ኣለና ዘርእስታ ቪድዮ ምላሽ ኪረክብ እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ንቕሑ”

ኣብ ምሳልያዊ ዛንታ እተን ዓሰርተ ደናግል፡ እቲ መርዓዊ፡ እተን ለባማት ደናግል፡ እተን ዓያሹ ደናግል ንምንታይ የመልክቱ፧ እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም

ካብ ፈለማ ኣትሒዝና፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምድላው ልማድ ኬማዕብሉ ኽንሕግዞም ኣሎና። ብኸመይ፧