12-18 መጋቢት
ማቴዎስ 22-23
መዝሙር 30ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ሓልወን”፦ (10 ደቒቕ)
ማቴ 22:36-38—እዘን ፍቕድታት እዚአን ነታ ኣብ ሕጊ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ ምሕላው እንታይ ከም ዜጠቓልል ብኸመይ እየን ዚገልጻ፧ (nwtsty፡ ኣብ ማቴ 22:37 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፦ “ልብኻ፡” “ነፍስኻ፡” “ኣእምሮኻ”)
ማቴ 22:39—ኣብ ሕጊ እታ ኻልአይቲ ዓባይ ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧ (nwtsty፡ ኣብ ማቴ 22:39 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፦ “እታ ኻልአይታ፡” “ብጻይካ”)
ማቴ 22:40—ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ (nwtsty፡ ኣብ ማቴ 22:40 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፦ “ሕግን ነብያትን፡” “ተመስሪቱ”)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ማቴ 22:21—እቲ “ናይ ቄሳር” ዝዀነ ኣየናይ እዩ፧ እቲ ናይ “ኣምላኽ” ዝዀነኸ፧ (nwtsty፡ ኣብ ማቴ 22:21 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፦ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡” “ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ”)
ማቴ 23:24—ቃላት የሱስ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ (nwtsty፡ ኣብ ማቴ 23:24 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፦ “ቃርማ እተጻርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ”)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ማቴ 22:1-22
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ተጠቐመሉ።
ቪድዮ ቐዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) bhs 199 ¶8-9—እቲ መምህር ነቲ ተምሃራይ ንዚፈልጦም ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኺዕድሞም የተባብዖ።
ክርስትያናዊ ህይወት
“ነታ ንኣምላኽን ንብጻይካን ዘላትካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተማዕብላ ትኽእል፧”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ንጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮና ምስኣል ዘለዎ ጥቕሚ ንምርኣይ ነቲ የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ—ቍንጽል ዘርእስቱ ድራማዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ወልዓዮ፣ ሰማዕቲ ድማ ን1 ነገስት 18:17-46 ኪከታተሉ ሓብሮም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) kr ምዕ. 9 ሕ.ጽ. 10-15፡ “እናበዝሑ ዚኸዱ ዘለዉ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሰሌዳ፡ “ብየሆዋ ይከኣል እዩ” ከምኡ እውን “‘እቲ ኣዝዩ ውሑድ’ ከመይ ኢሉ ‘ብርቱዕ ህዝቢ’ ኸም ዝዀነ” ዘርእስታ ሳጹን
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 110ን ጸሎትን