ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

19-25 መጋቢት

ማቴዎስ 24

19-25 መጋቢት
  • መዝሙር 126ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብመንፈስ ንቑሕ ኩን”፦ (10 ደቒቕ)

    • ማቴ 24:12—ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ፡ ናይ ሰባት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ (it-2-E 279 ¶6)

    • ማቴ 24:39—ንገሊኦም ቀንዲ ዜገድሶም ጕዳይ እቲ ልሙድ መዓልታዊ ናብራኦም ስለ ዝዀነ፡ ከም ዜስግሉ ይገብሮም (w99 15/11 19 ¶5)

    • ማቴ 24:44—ወዲ ሰብ ኣብ ዘይተሓስበ ሰዓት ይመጽእ (jy 259 ¶5)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ማቴ 24:8—ቃላት የሱስ እንታይ እዩ ዚእምት፧ (nwtsty፡ ኣብ ማቴ 24:8 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፦ “ቅልውላው”)

    • ማቴ 24:20—የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበን ስለምንታይ እዩ፧ (nwtsty፡ ኣብ ማቴ 24:20 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፦ “ብኽረምቲ፡” “ብሰንበት”)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ማቴ 24:1-22

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ክልኹም ልሙድ ዝዀነ ተቓውሞ የልዕል።

  • ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። እቲ መጀመርታ ዘዘራረብካዮ ሰብ ኣብ ቤቱ እኳ እንተ ዘየለ፡ ዘመዱ ግና ማዕጾ ይኸፍተልካ።

  • ካልኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን።

ክርስትያናዊ ህይወት