ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዚዳለዉ፡ ነቲ እንምህሮም ብቐሊሉ ኺርድእዎን ኪዝክርዎን ይኽእሉ እዮም። ብዝያዳ እናተረድኦምን እናዘከሩን ብዝኸዱ መጠን ድማ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ይገብሩ። ምስ ተጠምቁ እውን ከይተረፈ፡ ‘ንቑሓት’ ምእንቲ ኪዀኑ ንኣኼባታትን ንኣገልግሎትን ኪዳለዉ የድልዮም እዩ። (ማቴ 25:13) ስለዚ፡ ብኸመይ ከም ዜጽንዑ ምፍላጥን ጽቡቕ ልማድ መጽናዕትን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ኪጠቕሞም እዩ። ካብ ፈለማ ኣትሒዝና፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምድላው ልማድ ኬማዕብሉ ኽንሕግዞም ኣሎና።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ሰናይ ኣብነት ኩን። (ሮሜ 2:21) ኣብ ኵሉ እቲ መጽናዕቲ ነቲ ተምሃራይ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ተዳሎ። (km 11/15 3) ነቲ ኽትዳሎ ኸለኻ ዘስመርካዮ ሕታም ኣርእዮ

  • ኪዳሎ ኣተባብዓዮ። እቲ መጽናዕቲ ብስሩዕ ምስ ተጀመረ፡ ንመጽናዕቲ ምድላው ሓደ ኽፋል እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እንገብሮ መሰናድዎ ኸም ዝዀነ ኺፈልጥ ሓግዞ፣ ዘለዎ ረብሓ ድማ ግለጸሉ። ንምድላው ዚኸውን ግዜ ብኸመይ ከም ዚዕድግ ግብራዊ ዝዀነ ሓሳባት ኣካፍሎ። ገሊኦም መምህራን፡ ኣብ እዋን መጽናዕቲ እቲ ተምሃራይ ምእንቲ ኺጥቀም ነቲ ኺዳለዉ ኸለዉ ዘስመርዎ ሕታም ኪጥቀመሉ ይፈቕዱሉ እዮም። ተዳልዩ ኺመጽእ ከሎ ድማ ነኣዶ

  • ብኸመይ ኪዳሎ ኸም ዚኽእል ኣርእዮ። ኣብ ናይ ፈለማ መጽናዕቲ፡ ገሊኦም መምህራን ንብምሉኡ እቲ ናይ መጽናዕቲ እዋን ነቲ ተምሃራይ ብኸመይ ኪዳሎ ኸም ዘለዎ ንምርኣይ ይጥቀሙሉ እዮም