ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 25

“ንቕሑ”

“ንቕሑ”

25:1-12

የሱስ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ብቐዳምነት ነቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ሰዓብቱ ዚምልከት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ መሰረታዊ መልእኽቱ ግና ንዅሎም ክርስትያናት እዩ ዚውዕል። (w15 15/3 12-16) “ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።” (ማቴ 25:13) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ኽትገልጾ ትኽእልዶ፧

  • መርዓዊ (ፍቕዲ 1)—የሱስ

  • ለባማት ዝዀና ድሉዋት ደናግል (ፍቕዲ 2)—ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኽሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ኪፍጽምዎ ድሉዋት ዝዀኑን ከም ብርሃናት ክሳዕ መወዳእታ ዜብርሁን ቅቡኣት ክርስትያናት (ፊል 2:15)

  • “እንሆ መርዓዊ!” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ (ፍቕዲ 6)—የሱስ ኣብዚ ምህላዉ ዜርኢ መርትዖ

  • ዓያሹ ደናግል (ፍቕዲ 8)—መርዓዊ ኪቕበሉ ዚወጹ፡ ግናኸ ንቑሓት ዘይኰኑን ንጽህናኦም ዘይሓለዉን ቅቡኣት ክርስትያናት

  • እተን ዘይተን ኪህባ ፍቓደኛታት ዘይኰና ለባማት ደናግል (ፍቕዲ 9)—ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም፡ እቶም እሙናት ቅቡኣት ንዝዀነ ይኹን ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ኺሕግዝዎ ኣይክእሉን

  • “እቲ መርዓዊ መጸ” (ፍቕዲ 10)—የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺፈርድ ይመጽእ

  • እተን ለባማት ደናግል ምስቲ መርዓዊ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ (ፍቕዲ 10)—የሱስ ነቶም እሙናት ቅቡኣት ናብ ሰማይ ይእክቦም፡ እቶም እሙናት ኰይኖም ዘይተረኸቡ ግና ሰማያዊ ዓስቦም ይስእኑ