ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ቈረንቶስ 1-3

ስጋዊ ሰብ ዲኻ ወይስ መንፈሳዊ ሰብ፧

ስጋዊ ሰብ ዲኻ ወይስ መንፈሳዊ ሰብ፧

2:14-16

ነፍሲ ወከፍና መንፈሳውነትና ኸነማዕብልን ከም መንፈሳውያን ሰባት መጠን ቀጻሊ ዕቤት ክንገብርን የድልየና እዩ። (ኤፌ 4:23, 24) ዕቤት ምእንቲ ኽትገብር፡ ንርእስኻ ብመንፈሳዊ መዳይ ክትምግባን መንፈሳዊ ሸቶታት ከተውጽእን ፍረ መንፈስ ከተፍርን ኣሎካ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ መንፈሳውነትካ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ወይ ድማ ኣብ እተጠመቕካሉ እዋን ምስ ዝነበረ ኸተነጻጽሮ ኸለኻ ኸመይ እዩ፧