ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንመርኣዪ እትኸውን ደብዳበ

ንመርኣዪ እትኸውን ደብዳበ
  • ናይ ርእስኻ ኣድራሻ ተጠቐም። ናትካ ኣድራሻ ምሃብ ዘይጥበባዊ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሽማግለታት እንተ ፈቒዶምልካ፡ ናይ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣድራሻ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከም ኣድራሻ ልኣኺ ጌርካ ፈጺምካ ኽትጥቀም የብልካን።

  • ስም እቲ ሰብ ትፈልጦ እንተ ዄንካ ስሙ ጽሓፍ። ከምዚ ምግባር፡ እታ ደብዳበ ንንግዳዊ መወዓውዒ ተባሂላ እተጻሕፈት ከይትኸውን ንዚብል ስግኣት ኬወግዶ ይኽእል እዩ።

  • ግቡእ ኣጸሓሕፋ ፊደላትን ሰዋስውን ስርዓተ ነጥብን ኪህልዋ ኣለዎ። እታ ደብዳበ ጽፍፍትን ጽርይትን ክትከውን ኣለዋ። ብኢድ እተጻሕፈት እንተ ዀይና ድማ ብቐሊሉ እትንበብ ክትከውን ኣለዋ። ካብ መጠን ንላዕሊ ዘይወግዓዊት ወይ እምብዛ ወግዓዊት ክትከውን ከኣ የብላን።

እዛ ንመርኣዪ እትኸውን ደብዳበ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ተብርህ። ኣብ ክልኻ ንዘሎ ሰብ ደብዳበ ኽትጽሕፈሉ ኸለኻ፡ ወትሩ ኻብዚኣ እናቐዳሕካ ኽትልእኽ ኣይኰነትን ተዳልያ። እታ ደብዳበኻ ንምንታይ ዕላማ ኸም እተጻሕፈት፡ ከምኡ ድማ ንዅነታትን ንልምድን እቲ ኸባቢ ኣብ ግምት ዘእተወት ክትከውን ኣለዋ።