ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምምሃር ቪድዮታት ተጠቐም

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንምምሃር ቪድዮታት ተጠቐም

ትዕይንታዊ ደገፍ ንኣቓልቦ እቲ ዚርእዮ ይስሕብ፡ ነቲ ዚምሃሮ ኺርድኦን ኪዝክሮን ድማ ይሕግዞ እዩ። እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሆዋ ብዚርአ ነገራት ገይሩ ኣገዳሲ ትምህርትታት ምሂሩ እዩ። (ዘፍ 15:5፣ ኤር 18:1-6) የሱስ እቲ ዓብዪ መምህር እውን ብትዕይንታዊ ደገፍ ገይሩ ምሂሩ እዩ። (ማቴ 18:2-6፣ 22:19-21) ቪድዮ ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣዝዩ ጠቓሚ ዀይኑ ዘሎ ትዕይንታዊ ደገፍ እዩ። ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ኽትምህሮም ከለኻ፡ ንቪድዮታት ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ኣብታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ንዚርከብ ትምህርትታት ክንምህር ከለና ምእንቲ ኺሕግዘና ተባሂሉ ዓሰርተ ቪድዮ ተዳልዩ ኣሎ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ኵሉ ኣርእስቲ እተን ቪድዮታት ነቲ ኣብታ ብሮሹር ዚርከብ ብድሙቕ እተጻሕፈ ሕቶታት እዩ ዜመልክት። እቲ ዲጂታዊ ትርጉም ነተን ቪድዮታት መዓስ ከነርእየን ከም ዘሎና ዜዘኻኽረና ሊንክ ኣለዎ። ኣብቲ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዚርከብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንጥቀመሉ እተፈላለየ ሕታማት እውን፡ ሓጋዚ ዝዀነ ኻልእ ቪድዮታት ኣሎ።

ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝኸበዶ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያይጦዶ ኣለኻ፧ ወይ ድማ ተምሃራይካ ምስ ሓደ ፍሉይ ፈተናዶ ይቃለስ ኣሎ፧ በቲ ኣብ jw.org®ን ኣብ ፈነወ JWን ዘሎ ቪድዮታት ጌርካ ንዕኡ ኺጠቕሞ ዚኽእል ነገራት ድለ። ምናልባት ንስኻን ተምሃራይካን ንሓንቲ ኻብተን ቪድዮታት ክትርእዩን ክትመያየጥሉን ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ወወርሒ፡ ሓደስቲ ቪድዮታት ይወጽእ እዩ። ነተን ቪድዮታት ምስ ረኣኻየን፡ ንኻልኦት ክትምህር ከለኻ ብኸመይ ክትጥቀመለን ከም እትኽእል ሕሰብ።