ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 27-28

ያእቆብ ምርቓ ረኸበ

ያእቆብ ምርቓ ረኸበ

27:6-10, 18, 19, 27-29

እቲ ይስሃቅ ንያእቆብ ዝመረቖ ምርቓ ትንቢታዊ እዩ ነይሩ።

  • 27:28—የሆዋ ንዘርኢ ያእቆብ፡ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ፍርያም ምድሪ ሃቦም።—ዘዳ 26:15

  • 27:29—እስራኤላውያን (ዘርኢ ያእቆብ) ካብ ኤዶማውያን (ዘርኢ ኤሳው) ዝሓየሉ ዀኑ።—ዘፍ 25:23፣ 2ሳሙ 8:14

  • 27:29—ኤዶማውያን ንእስራኤላውያን ስለ ዝጸልእዎም ተረግሙ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብደረጃ ህዝቢ ጠፍኡ።—ህዝ 25:12-14