ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንዓይነ ስዉራን ምምስካር

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንዓይነ ስዉራን ምምስካር

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መብዛሕትኦም ዓይነ ስዉራን ንዘይፈልጥዎ ሰብ ምዝርራብ ይኸብዶም እዩ። ስለዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ምስክርነት ንምሃብ ክእለት ይሓትት። የሆዋ ንዓይነ ስዉራን ይሓልየሎም እዩ። (ዘሌ 19:14) ንሕና እውን ኣብነቱ ብምስዓብ ተበግሶ ወሲድና ንዓይነ ስዉራን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ንዓይነ ስዉራን ‘ድለዮም።’ (ማቴ 10:11) ዓይነ ስዉር ኣባል ስድራ ቤት ዘለዎ ሰብ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ክልኹም ዓይነ ስዉራን ዚምሃሩሉ ቤት ትምህርቲ፡ ዓይነ ስዉራን ዚነብሩሉ መናበዪ ወይ ትካል ኣሎዶ፧ ንዓይነ ስዉራን እተዳለወ ሕታማትከ ይደልዩዶ፧

  • ተገዳስነት ኣርእዮም። እቲ ናይ ሓቂ ምሕዝነታዊ ኣቀራርባኻን ልባዊ ተገዳስነትካን ፍዅስ ከም ዚብሎም ኪገብር ይኽእል እዩ። ነቶም ዓይነ ስዉራን ብዜገድሶም ፍረ ነገር ዝርርብ ጀምር

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ሓግዞም። ንዓይነ ስዉራንን ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎምን ሰባት ንምሕጋዝ ውድብ ኣምላኽ ብእተፈላለየ ፎርማት ሕታማት ኣዳልያ እያ። ነቲ ዓይነ ስዉር ብኸመይ ኪምሃር ከም ዚደሊ ሕተቶ። ኣገልጋሊ ጽሑፍ ዓይነ ስዉራን ብዝመረጽዎ ፎርማት ፎርም ምምላኡ፡ ሓላው ኣገልግሎት ኬረጋግጽ ኣለዎ። ሽማግለታት ንዓይነ ስዉራን ኣብ jw.org ንዚርከብ ሕታማት ኪረኽቡ ኺሕግዝዎም ኣለዎም