ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 29-30

ያእቆብ ተመርዓወ

ያእቆብ ተመርዓወ

29:18-28

ያእቆብ፡ ነቲ ሓዳር ዜስዕቦ ፈተናታት ኣይፈልጦን እዩ ነይሩ። ራሄልን ልያን መቐናቕንቲ ዀና። (ዘፍ 29:32፣ 30:1, 8) ያእቆብ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዝነበረ ርእዩ እዩ። (ዘፍ 30:29, 30, 43) ኣብ መወዳእታ፡ ዘርኡ ህዝቢ እስራኤል ኰኑ።—ሩት 4:11

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ እቶም ኪምርዓዉ ዚመርጹ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (1ቈረ 7:28) ይኹን እምበር፡ ኣብ የሆዋ ብምውካልን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ዕዉት ሕዳርን ሓጐስን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።—ምሳ 3:5, 6፣ ኤፌ 5:33