ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንመን ክዕድም፧

ንመን ክዕድም፧

ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም በብዓመቱ ፍሉይ ጻዕሪ ንገብር ኢና። መብዛሕትኦም ድማ ዘይንፈልጦም ሰባት እዮም። እንፈልጦም ሰባት እውን ክንዕድም ኣሎና። ካብ ዚፈልጥዎ ሰብ ወረቐት ዕድመ ዚበጽሖም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዕድመ ይቕበልዎ እዮም። (yb08-E 11 ¶3፣ 14 ¶1) ንመን ክትዕድም ትኽእል፧

  • ንኣዝማድካ

  • ንመሳርሕትኻ ወይ ንመማህርትኻ

  • ንጐረባብትኻ

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎምን ቀደምን ሕጅን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትመርሓሎምን

ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ንዘይንጡፋት ሰባት ኪዕድምዎም እዮም። ሓደ እትፈልጦ ሰብ ኣብ ከባቢኻ ዘይነብር እንተ ዀይኑኸ፧ ነቲ ኣብ jw.org ቀንዲ ገጽ ዚርከብ ብዛዕባና ዚብል ዓምዲ ጠውቕ፣ ድሕሪኡ “በዓል ዝኽሪ” ዚብል ብምሕራይ ኣብቲ እቲ ሰብ ዚነብረሉ ኸባቢ በዓል ዝኽሪ ዚኽበረሉ ሰዓትን ቦታን ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ዚኽበር በዓል ዝኽሪ ኣብ እትዳለወሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቶም ክትዕድሞም እትኽእል ሰባት ሕሰብ እሞ ወረቐት ዕድመ ሃቦም።