ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ብ2014 ኣብ ኒው ጀርሲ፡ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሚያዝያ 2016

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

መጽሔት ንቕሑ!መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍን ንምብርካት ዚኸውን ሓሳባት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ሕያውነት ብዝመልኦ ቓላት ኣተባብዕን ኣበራትዕን

ንእዮብ፡ እቶም ሰለስተ ብጾቱ ኣየጸናንዕዎን፣ እኳ ደኣስ ብሃሳዪ ቓላትን ናይ ሓሶት ክስታትን ገይሮም ኣብ ርእሲ ጭንቀቱ ጭንቀት ወሰኹሉ። (እዮብ 16-20)

ክርስትያናዊ ህይወት

ዝርርብ ንምጅማር እትሕግዝ ሓዳስ ዓምዲ

በታ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” እትብል ሓዳስ ዓምዲ ጌርካ ርእሰ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ምልላይ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እዮብ ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ

ንገለ ኻብቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ሓሶታትን የሆዋ ብዛዕባና ዚስምዖን ዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ። (እዮብ 21-27)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እዮብ ንጽህና ብምሕላው ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉ

እዮብ ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ኺስዕብ ከምኡ እውን ንሕያውነትን ፍትሕን የሆዋ ኪቐድሕ ቈሪጹ ነበረ። (እዮብ 28-32)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ናይ ሓቂ ዓርኪ ሃናጺ ምኽሪ ይህብ

ነቲ ኤሊሁ ንእዮብ ብፍቕራዊ መገዲ ዝሓዘሉ መገዲ ቕድሓዮ። (እዮብ 33-37)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ዞባ

ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ዞባ ኽትዝርግሕ ከለኻ ክትዝክሮ ዜድልየካ ነገራት። ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተለማመደሉ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ

ኣብ ኣኼባታት ዞባ፡ ንኻልኦት ፍቕርኻ ኸተርእየሉ ብዛዕባ እትኽእለሉ መገድታት ሕሰብ።