ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

11-17 ሚያዝያ

እዮብ 21-27

11-17 ሚያዝያ
  • መዝሙር 52ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • እዮብ ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ”፦ (10 ደቒቕ)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • እዮብ 24:2—ንምልክት ዶብ ምግዓዝ ከቢድ ኣበሳ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (it-1-E 360)

    • እዮብ 26:7—እዮብ እንታይ ንምድሪ ዚምልከት ዜደንቕ መግለጺ እዩ ሂቡ፧ (w15 1/6 5 ¶4w11 1/7 26 ¶2-5)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እዮብ 27:1-23 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ g16.2 ገበር—ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር። (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ g16.2 ገበር—ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር። (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ bh 145 ¶3-4 (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 54

  • ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። (ናብ jw.org/ti ኣቲኻ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቪድዮታት ርአ።) ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጠሉ፦ ሓደ ሰብ ዚድንደን ስለምንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ምድንዳን ዜምጽኦ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እንታይ እዩ፧ ንድንደና ኽትዋጽኣሉ ወይ እውን ከተወግዶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ትድንደን እንተ ኣሊኻ ንመን ኢኻ ኽትነግር ዘሎካ፧ ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ፡ 2ይ ጥራዝ እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 14 ከም ዜተኵሩ ግበር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ lv ምዕ. 8 ሕ.ጽ. 19-26፡ “ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር እቃለስ ድየ፧” ከምኡ ድማ “ብኣምላኽ ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” ዘርእስተን ሳጹናት (30 ደቒቕ)

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 23ን ጸሎትን