ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 21-27

እዮብ ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ

እዮብ ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ

ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ተስፋ ንምቝራጽ ሓሶታት ይጥቀም እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተገሊጹ ዚርከብ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ሓሶታትን እቲ የሆዋ ብሓቂ ዚስምዖን ዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ። የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ ዜረጋግጽ ተወሳኺ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርዝር።

ሰይጣን ዜቕርቦ ሓሶታት

የሆዋ ብሓቂ ኸመይ ከም ዚስምዖ

የሆዋ ኻብ ዓቕሚ ሰባት ንላዕሊ ስለ ዚጽበ፡ ኣገልገልቱ ዚገብርዎ ዝዀነ ይኹን ነገራት ኣብ ቅድሚኡ ዋጋ የብሉን። ኬሐጕሶ ዚኽእል ፍጡር የለን (እዮብ 4:18፣ 25:5)

ነቲ ትሕትና ዝመልኦ ጻዕርታትና የማስወሉ (እዮብ 36:5)

ሰብ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ኣይክእልን (እዮብ 22:2)

ነቲ ብተኣማንነት እንፍጽሞ ኣገልግሎት ይቕበሎን ይባርኾን (እዮብ 33:26፣ 36:11)

ጻድቕ ምዃንካ ንኣምላኽ ኣየገድሶን (እዮብ 22:3)

ንጻድቃን ይቋመቶም (እዮብ 36:7)