ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ

ልክዕ ከም ኣብ ካልእ እዋናት፡ ኣብ ወቕቲ ኣኼባ ዞባ እውን በታ ንየሆዋን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ ኽንምራሕ ኢና እንደሊ። (ማቴ 22:37-39) ቀዳማይ ቈረንቶስ 13:4-8 ነታ ብግብሪ እትርአ ፍቕሪ ኸምዚ ብምባል ትገልጻ፦ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ . . . ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን . . . ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” ነታ መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ ዘርእስታ ቪድዮ ኽትርእያ ኸለኻ፡ ኣብ ኣኼባ ዞባ ንኻልኦት ፍቕሪ ኸተርኢ ብዛዕባ እትኽእለሉ መገድታት ሕሰብ።

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት፡ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ኮፍ መበሊ ኽንሕዝ ከለና

  • መደብ ሙዚቃ ኺጅምር ምስ ቀረበ

  • ኣኼባ ዞባ ኣብ ዚግበረላ ኸተማ መዕረፍ ኣጋይሽ ክንሕዝ ከለና

  • ወለንተኛታት ብምዃን