ክርስትያናዊ ህይወት
መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ
ልክዕ ከም ኣብ ካልእ እዋናት፡ ኣብ ወቕቲ ኣኼባ ዞባ እውን በታ ንየሆዋን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ ኽንምራሕ ኢና እንደሊ። (ማቴ 22:37-39) ቀዳማይ ቈረንቶስ 13:4-8 ነታ ብግብሪ እትርአ ፍቕሪ ኸምዚ ብምባል ትገልጻ፦ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ . . . ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን . . . ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።” ነታ መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ ዘርእስታ ቪድዮ ኽትርእያ ኸለኻ፡ ኣብ ኣኼባ ዞባ ንኻልኦት ፍቕሪ ኸተርኢ ብዛዕባ እትኽእለሉ መገድታት ሕሰብ።
ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት፡ ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
-
ኮፍ መበሊ ኽንሕዝ ከለና
-
መደብ ሙዚቃ ኺጅምር ምስ ቀረበ
-
ኣኼባ ዞባ ኣብ ዚግበረላ ኸተማ መዕረፍ ኣጋይሽ ክንሕዝ ከለና
-
ወለንተኛታት ብምዃን