ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 33-37

ናይ ሓቂ ዓርኪ ሃናጺ ምኽሪ ይህብ

ናይ ሓቂ ዓርኪ ሃናጺ ምኽሪ ይህብ

ኤሊሁ ኣብቲ ዝርርብ ምስ ኣተወ፡ ትሕዝቶ ምኽሩ ዀነ እቲ ንእዮብ እተዛረበሉ ኣገባብ፡ ካብ ናይ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ ዓርክን ውጽኢታዊ መኻርን ብምዃን፡ ኪቕዳሕ ዚግብኦ ኣብነት እዩ ገዲፉ።

ውጽኢታዊ መኻሪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧

ኤሊሁ ሰናይ ኣብነት ገዲፉ

32:4-7, 11, 12፣ 33:1

 

  • ዓቃል

  • ጽን በሃሊ

  • ኣኽብሮት ዜርኢ

 
  • ኤሊሁ፡ እቶም ብዕድመ ዚዓብይዎ ተዛሪቦም ክሳዕ ዚውድኡ ብዓቕሊ ተጸበየ

  • ምኽሪ ቕድሚ ምሃቡ፡ ጽን ኢሉ ብምስማዕ ነቲ ጸገም ጽቡቕ ገይሩ ኺርድኦ ኸኣለ

  • ንእዮብ ብስሙ ጸዊዕዎን ከም ፈታዊኡ ገይሩ ተዛሪብዎን እዩ

 

33:6, 7, 32

 

  • ትሑት

  • ተቐራቢ

  • ደንጋጺ

 
  • ኤሊሁ ትሑትን ሕያዋይን ዘይፍጹም ምዃኑ ዚእመንን ነበረ

  • ንእዮብ ብምኽንያት እቲ ዜሕልፎ ዝነበረ መከራ ደንገጸሉ

 

33:24, 25፣ 35:2, 5

 

  • ሚዛናዊ

  • ሕያዋይ

  • ብሓሳብ ኣምላኽ ዚምራሕ

 
  • ኤሊሁ ንእዮብ ኣረኣእያኡ ሚዛናዊ ኸም ዘይነበረ ብሕያውነት ገለጸሉ

  • ኤሊሁ ንእዮብ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ኸም ዘይኰነ ንኺርዳእ ሓገዞ

  • እቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኤሊሁ፡ እዮብ ካብ የሆዋ ተወሳኺ መምርሒ ንኪቕበል መገዲ ኸፈተሉ