ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ዞባ

ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ዞባ

ዓመት ዓመት፡ ነቲ ኣብ ኣኼባ ዞባ እነስተማቕሮ መንፈሳዊ ድግስ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ካልኦት ሰባት እውን ንሕያውነት የሆዋ ምእንቲ ኺጥዕምዎ፡ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ምሳና ኺእከቡ ኽንዕድሞም ኢና። (መዝ 34:8) ኣካል ሽማግለታት፡ ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኽንዕድል ከም እንኽእል ኪውስኑ እዮም።

ክትዝክሮ ዚግብኣካ ነገራት

  • ኣኼባ ዞባኹም መዓስ እዩ፧

  • ወፈራ ዕድመ ዚጅምር መዓስ እዩ፧

  • ኣኼባታት ወፍሪ ኣገልግሎት ዚግበር መዓስ እዩ፧

  • ኣብዚ ወፈራ እዚ ሸቶታተይ እንታይ እዩ፧

  • ንመነመን እየ ኽዕድም መዲበ፧

እንታይ ኢኻ ኽትብል፧

በቲ ልሙድ መገዲ ሰላም ምስ ተባሃሃልኩም፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦

“ንሰባት ናብ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ዚዕድም ወረቐት ዕድመ ኽንህቦም ብደረጃ ዓለምለኸ ፍሉይ ወፈራ ንገብር ኣለና። ዕለትን ሰዓትን ኣድራሻን እቲ ኣኼባ፡ ኣብዚ ወረቐት ዕድመ ሰፊሩ ኣሎ። ምሳና ሓቢርካ ኽትውዕል ባህ ይብለና።”

ተገዳስነት ክትኵስኵስ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ናብ ኣኼባ ዞባ ኽንዕድሞም ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ንዘርኣይዎ ዝዀነ ይኹን ተገዳስነት ንምዅስኳስ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ምስታ ወረቐት ዕድመ መጽሔት ክትዕድል ትኽእል ኢኻ።