4-10 ሚያዝያ
እዮብ 16-20
መዝሙር 50ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ሕያውነት ብዝመልኦ ቓላት ኣተባብዕን ኣበራትዕን”፦ (10 ደቒቕ)
እዮብ 16:4, 5—ቃላት ሓደ መኻሪ ንኻልኦት ዜበራትዕ ኪኸውን ኣለዎ (w90-E 15/3 27 ¶1-2)
እዮብ 19:2—ሕያውነት ዝጐደሎ ቓላት ቢልዳድ ንእዮብ ኣበሳጨዎ (w06 15/3 15 ¶7፣ w94-E 1/10 32)
እዮብ 19:25—እዮብ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና ብተስፋ ትንሳኤ ተጸናንዐ (w06 15/3 15 ¶6፣ it-2-E 735 ¶2-3)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
እዮብ 19:20—እዮብ “ብቘርበት ኣስናነይ ድማ አምልጥ ኣለኹ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (w06 15/3 15 ¶2፣ it-2-E 977 ¶1)
እዮብ 19:26—ወዲ ሰብ ንየሆዋ ኺርእዮ ዘይክእል ክነሱ፡ እዮብ ‘ንኣምላኽ ዚርእዮ’ ብኸመይ እዩ፧ (w94-E 15/11 19 ¶17)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እዮብ 19:1-23 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ዜርእያ ቪድዮ ወልዓየን፡ ድሕሪኡ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጠሉ። ንኣስፋሕቲ ናይ ርእሶም ኣቀራርባ ኼዳልዉ ኣተባብዓዮም።
ክርስትያናዊ ህይወት
መዝሙር 42
“ዝርርብ ንምጅማር እትሕግዝ ሓዳስ ዓምዲ”፦ (10 ደቒቕ) ምይይጥ። ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሕ ዝርርብ ንምጅማር፡ ነታ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” እትብል ዓንቀጽ ኪጥቀሙላ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ፦ (5 ደቒቕ) ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 30፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ lv ምዕ. 8 ሕ.ጽ. 11-18 (30 ደቒቕ)
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 32ን ጸሎትን