ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ!

መፋለጢ፦ ናይዛ ወርሒ እዚኣ መጽሔት ንቕሑ! እንሀትልካ።

ሕቶ፦ ነዛ ኣብ ገጽ 2 ዘላ ሕቶ እሞ ኣስተብህለላ። እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጥቕሲ፦ ሉቃ 7:35

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ትገልጽ።

ንቕሑ!

ሕቶ፦ እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ህይወትና ኽንስዕቦ ዚግባእ ጥበብ ዝሓዛ ምዃነን ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ጥቕሲ፦ ማቴ 6:34

መፋለጢ፦ [ኣብታ “ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ—ጭንቀት” እትብል ዓንቀጽ ገንጽል።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጭንቀት ንኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር

ሕቶ፦ ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ሓያሎ ሰባት፡ ንኣምላኽ ኪቐርብዎ ይደልዩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኸም ዚዕድመና ትፈልጥዶ፧

ጥቕሲ፦ ያእ 4:8ሀ

መፋለጢ፦ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ንኽንፈልጥ ክትሕግዘና እያ ተዳልያ። [ንምዕራፍ 1 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣርእዮ።]

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።