ንሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕበልዋ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሚያዝያ 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ! ንምብርካትን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንኣተሓሳስባኻን ንኣካይዳኻን ኪቐርጾ ፍቐደሉ

እቲ ዓብዪ ሰራሕ ካይላ ንመንፈሳዊ ባህርያትና ይቐርጾ እዩ፣ ግናኸ ንሕና እውን እጃምና ኽንገብር ኣሎና።

ክርስትያናዊ ህይወት

ብሓጐስ ንቀበሎም

ኵሎም እቶም ኣብ ኣኼባታትና ዝመጹ ሰባት፡ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ብግብሪ ኺርእዩ ኣለዎም። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምዉቕን ፍቕራውን ሃዋህው ከም ዚሰፍን ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 24፡ የሆዋ ኣምላኽ ንሰባት ምስ በለስ ኣነጻጺርዎም ኣሎ። ከም ጽቡቕ በለስ ዝነበሩ መን እዮም፧ ሎሚኸ ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ንዘይንጡፍ ክርስትያን ከተተባብዕ ትኽእል ኢኻ

ዘይንጡፋት ክርስትያናት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ክቡራት እዮም። እሞኸ፡ ናብ ጉባኤ ምእንቲ ኺምለሱ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን

ኤርምያስ፡ የሩሳሌም ከም እትዓኑ ተነበየ። ብትብዓት ኪመላለስ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ትብዓት ይህብ

መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ንዝነበሩ ክርስትያናት ኣበርቲዕዎም እዩ። እዚ መዝሙራት እዚ፡ ኣብ ግዜ ፈተና ኼተባብዓና ይኽእል እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ተነበየ

እቲ ሓድሽ ኪዳን ካብ ኪዳን ሕጊ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ ዘለኣለማዊ ረብሓታት ዜምጽእከ ብኸመይ እዩ፧