ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንዘይንጡፍ ክርስትያን ከተተባብዕ ትኽእል ኢኻ

ንዘይንጡፍ ክርስትያን ከተተባብዕ ትኽእል ኢኻ

ሰሉስ 11 ሚያዝያ፡ ሓያሎ ዘይንጡፋት ክርስትያናት ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ኪጐይዩ ጀሚሮም ክነሶም፡ ብእተፈላለየ ምኽንያታት ዘይንጡፋት ኰይኖም እዮም። ገለ ኻብቲ ዘይንጡፋት ዝገበሮም ነገራት ድማ ኣብታ ናብ የሆዋ ተመለስ ዘርእስታ ብሮሹር ተሓቢሩ ኣሎ። (እብ 12:1) ይኹን እምበር፡ ዘይንጡፋት ክርስትያናት፡ የሆዋ ብደም ወዱ ስለ ዝዓደጎም ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት እዮም። (ግብ 20:28፣ 1ጴጥ 1:18, 19) እሞኸ፡ ናብ ጉባኤ ምእንቲ ኺምለሱ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ሽማግለታት ጉባኤ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ጓሳ ኻብ መጓሰ ንዝጠፍአት በጊዕ ብትግሃት ዚደልያ፡ ንሳቶም እውን ንዘይንጡፋት ክርስትያናት ኣናድዮም ኪሕግዝዎም ይደልዩ እዮም። (ሉቃ 15:4-7) ከምኡ ምግባር ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ እዩ ዜንጸባርቕ። (ኤር 23:3, 4) ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ክርስትያናት ምትብባዕ ናይ ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ኵላትና ሓላፍነት እዩ። ሕያውነትን ድንጋጸን ንምርኣይ እንገብሮ ጻዕሪ ንየሆዋ የሐጕሶ፡ ዓስቢ ድማ የውህብ። (ምሳ 19:17፣ ግብ 20:35) ስለዚ፡ ንመን ከተተባብዕ ከም እትኽእል ሕሰብ፡ ነዚ ድማ ውዓል ሕደር ከይበልካ ግበሮ።

ነታ ንዘይንጡፋት ኣተባብዓዮም ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ፦

  • ኣቢ ዘይትፈልጣ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ረኸበት፡ እንታይ ተበግሶ እያ ወሲዳ፧

  • ንሓደ ዘይንጡፍ ክርስትያን ክንሕግዝ ንሓስብ እንተ ደኣ ኣሊና፡ ንሽማግለታት ከነዘራርቦም ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣቢ ንሎራ ኻልኣይ ግዜ ኽትበጽሓ እተዳለወት ብኸመይ እያ፧

  • ኣቢ ንሎራ ኸተተባብዓ ኣብ እትጽዕረሉ ዝነበረት እዋን ዘይምሕላልን ትዕግስትን ፍቕርን ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

  • ኣብ ሉቃስ 15:8-10 ኻብ ዚርከብ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

  • በቲ ንሎራ ንምሕጋዝ እተገብረ ሓባራዊ ጻዕሪ እንታይ በረኸት እዩ ተረኺቡ፧