ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 22-24

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧

የሆዋ ንሰባት ምስ በለስ ኣነጻጸሮም

24:5

  • ኣብ ባቢሎን ካብ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ምሩኻት፡ እቶም እሙናት ከም ጽቡቕ በለስ እዮም ነይሮም

24:8

  • እቲ ዘይእሙን ዝነበረ ንጉስ ጼዴቅያስን ሕማቕ ዝገበሩ ኻልኦትን ከም ሕማቕ በለስ እዮም ነይሮም

‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

24:7

  • ንቓል ኣምላኽ ነጽንዖን ንትግብሮን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ‘ንዕኡ ዚፈልጥ ልቢ’ ኺህበና እዩ

  • ልብና ብቕንዕና ንመርምር፡ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ኣብ ሓደጋ ንዜእቱ ዝንባለታትን ባህግታትን ድማ ንምሓዎ

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎኒ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ልቢ ኸማዕብል ዝኽእልከ ብኸመይ እየ፧