ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 25-28

ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን

ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን

26:6

ኤርምያስ፡ የሩሳሌም ከም ሺሎ ዑና ኸም እትኸውን ኣጠንቀቐ

  • ንህላወ የሆዋ ዜመልክት ታቦት ኪዳን፡ ሓደ እዋን ኣብ ሺሎ ይቕመጥ ነበረ

  • የሆዋ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቲ ታቦት ኪማርኽዎ ፈቐደሎም፡ ድሕሪኡ፡ እቲ ታቦት ናብ ሺሎ ፈጺሙ ኣይተመልሰን

26:8, 9, 12, 13

ካህናትን ነብያትን ኵሎም እቶም ህዝብን ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ምዃኖም ኣፈራርህዎ

  • ኤርምያስ ኣንጻር የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ስለ እተነበየ፡ እቶም ህዝቢ ሓዝዎ

  • ኤርምያስ ተሓሊሉ ኣይሃደመን

26:16, 24

የሆዋ ንኤርምያስ ኣዕቈቦ

  • ኤርምያስ ብትብዓት ተመላለሰ፡ የሆዋ እውን ኣይሓደጎን

  • ኣምላኽ ነቲ ተባዕ ዝነበረ ኣሒቃም ደሪኹ ንኤርምያስ ኣዕቈቦ

ኤርምያስ ሳላ ደገፍን መተባብዕን የሆዋ፡ ብብዙሓት ዘይፍቶ መልእኽቲ ን40 ዓመት ኪእውጅ ከኣለ