ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ብሓጐስ ንቀበሎም

ብሓጐስ ንቀበሎም

ንመን ኢና ብሓጐስ እንቕበሎም፧ ንዅሎም እቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ዚካፈሉ ሓደስቲ ይኹኑ፡ ነዊሕ እዋን ዝገበሩ ፈተውትና። (ሮሜ 15:7፣ እብ 13:2) ሓደ ኻብ ካልእ ሃገር ኪበጽሕ ዝመጸ ኣማኒ ብጻይና ወይ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ኣኼባ ዝመጸ ዘይንጡፍ ክርስትያን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከመይ ከም ዚስምዓካ እሞ ገምቶ። ምዉቕ ሰላምታ ኽትህቦ ኣይምተደረኽካንዶ፧ (ማቴ 7:12) ስለዚ፡ ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪ ኣኼባን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እናዞርካ፡ ንኻልኦት ሰላም ንምባል ስለምንታይ ሓያል ጻዕሪ ዘይትገብር፧ ከምዚ ምግባር ምዉቕን ፍቕራውን ሃዋህው ከም ዚሰፍን ይገብር፡ ንየሆዋ ድማ ክብሪ የምጽኣሉ። (ማቴ 5:16) ሓቂ እዩ፡ ኣብቲ ኣኼባ ንዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብብሕቲ ኸተዘራርቦ ኣይከኣልን ይኸውን። ኵላትና እጃምና እንተ ደኣ ኣበርኪትና ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽቡቕ ኪስምዖ እዩ። *

ምቕባል ኣጋይሽ፡ ከም በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኣመሰለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ እዩ ኺግበር ዘለዎ። ሓደስቲ ሰባት፡ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ብግብሪ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ንኣምላኽ ኪውድስዎ ይድረኹ፡ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ድማ ይሓብሩና።—ዮሃ 13:35

^ ሕ.ጽ. 3 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣኼባ ዚመጹ እተወገዱ ወይ ርእሶም ዘግለሉ ሰባት፡ ሰላም ክንብሎም ከም ዘይብልና ይገልጽ እዩ።—1ቈረ 5:11፣ 2ዮሃ 10