ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 17-21

የሆዋ ንኣተሓሳስባኻን ንኣካይዳኻን ኪቐርጾ ፍቐደሉ

የሆዋ ንኣተሓሳስባኻን ንኣካይዳኻን ኪቐርጾ ፍቐደሉ

የሆዋ ምእንቲ ኪቐርጸካ ጽቡቕ ምላሽ ሃብ

18:1-11

  • የሆዋ ብምኽሪ ወይ ብተግሳጽ ኣቢሉ ንመንፈሳዊ ባህርያትና ይቐርጾ እዩ

  • ተቐረጽትን እዙዛትን ክንከውን ንደሊ ኢና

  • የሆዋ ኸይፈቶና ሓደ ነገር ክንገብር ኣየገድደናን እዩ

ሓደ ሰራሕ ካይላ ንሓደ ኣቕሓ ብዛዕባ ዚሰርሓሉ መገዲ ሓሳቡ ኪቕይር ይኽእል እዩ

  • የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃበና፡ ክንቅረጽ ወይ ከይንቕረጽ ክንመርጽ ንኽእል ኢና

  • የሆዋ ምስ ሰባት ንዘለዎ ርክብ በቲ ንመምርሒኡ ምላሽ ዚህብሉ መገዲ ኣቢሉ የተዓራርዮ እዩ

የሆዋ በየናይ መገድታት ክቐርጸኒ እየ ዝደሊ፧