ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ!

ሕቶ፦ ሎሚ ዘሎ ፊልምታትን ምርኢት ተለቪዥንን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ቫምፓየራትን ዝኣመሰለ ልዕለ ባህርያዊ ምርኢታት የርኢ እዩ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ እዝስ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧ ወይስ ሕቡእ ሓደጋ ኣለዎ፧

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ሰባት ብልዕለ ባህርያዊ ምርኢታትን በቲ ሕቡእ ተግባራቱን ስለምንታይ ከም ዚማረኹ ትገልጽ።

ሓቂ ምሃር

ሕቶ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ንጸገማት ዓለም ብኸመይ ክትፈትሖ እያ፧

ጥቕሲ፦ ማቴ 6:10

ሓቂ፦ መንግስቲ ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀነ ኣብ ምድሪ ድማ ሰላምን ስኒትን ደሓንን ከተምጽእ እያ።

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ (ተመላሊስካ ምብጻሕ)

ሕቶ፦ [ኣብ ድሕሪት እታ ትራክት ንዘላ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ እትምለስ ሕቶ ኣጕልሓያ።] ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ህይወት እንታይ ክትመስል እያ፧

ጥቕሲ፦ መዝ 37:29፣ ኢሳ 65:21-23

መፋለጢ፦ [ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ኣርእዮ።] ምዕራፍ 7 እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ንዓኻን ንዓይን እንታይ ጥቕሚ ኼምጽኣልና ኸም ዚኽእል ትገልጽ። [በዛ ብሮሹር እዚኣ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር።]

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።