ኣብ ሪፓብሊክ ቸክ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ሚያዝያ 2018

ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ዜሐጕስ ናብራን ዚገልጽ ተኸታታሊ ዝርርባት።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኣብ መንጎ ፋስጋን በዓል ዝኽርን ዘሎ ምምስሳልን ፍልልይን

ፋስጋ ንበዓል ዝኽሪ ጽላሎት ዘይከውን እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ መዳያት ፋስጋ ንዓና ትርጉም ኣለዎ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ—ስለምንታይ፡ ኣበይ፡ ብኸመይ፧

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኪብሃል ከሎ፡ ንሰባት ንዅሉ እቲ የሱስ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ኪሕልዉ ምምሃር ማለት እዩ። እቲ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር እተዋህበና ትእዛዝ፡ ንተምሃሮና ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርትታት ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኼውዕልዎን ኣብነት የሱስ ኪስዕቡን ምምሃር የጠቓልል።

ክርስትያናዊ ህይወት

ስብከትን ትምህርትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት

የሱስ ንሰዓብቱ ኸይዶም ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ኣዚዝዎም እዩ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ንሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ”

ካብ ኣብ ማርቆስ 2:5-12 ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራት እንታይ ንምሃር፧ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ክንሓምም ከለና ኽንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ብሰንበት ምሕዋይ

የሱስ ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዝጐሃየ ስለምንታይ እዩ፧ ንርሕራሐ የሱስ ንቐድሖ ምህላውና ኽንምርምር ኪሕግዘና ዚኽእል ሕቶታት እንታይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሱስ፡ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና ኼተንስኦም ስልጣን ኣለዎ

ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነስተንትነሉ፡ ዝሞቱ ሰብና ኣብ መጻኢ ኸም ዚትንስኡ ዘሎና እምነት ይዓቢ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ነቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ

ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ኽንምህር፡ ንናውትና ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። እቲ ቐንዲ ንዋትና እንታይ እዩ፧ ነቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ ብዝሓሸ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧