ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ነቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ

ነቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ

ወደ መዝሙር ምግባር ልክዕ ሓንቲ ቤት ከም ምህናጽ እዩ። ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንምህናጽ፡ ነቲ ዘሎና ናውቲ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽንፈልጥ ኣሎና። ብፍላይ ነቲ ቐንዲ ናውትና ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽእለት ከነማዕብል የድልየና። (2ጢሞ 2:15) ብዘይካዚ፡ ነቲ ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ቐንዲ ናውቲ ዝዀነ ኻልእ ሕታማትን ቪድዮታትን እውን፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብኸመይ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ክንፈልጥ ኣድላዪ እዩ። *

ነቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ ጽቡቕ ጌርካ ኣብ ምጥቃም ምምሕያሽ ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (1) ሓገዝ ንምርካብ ንሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍርኻ ሕተቶ፡ (2) ተመክሮ ምስ ዘለዎ ኣስፋሒ ወይ ፈላሚ ዕየ፡ (3) ቀጻሊ ዝዀነ ልምምድ ግበር። ነዚ ሕታማት እዝን ንቪድዮታትን ኣብ ምጥቃም ክኢላ ብዝዀንካ መጠን፡ ኣብቲ ሕጂ ዚግበር ዘሎ ዕዮ መንፈሳዊ ህንጸት ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

መጽሔታት

ብሮሹራት

መጻሕፍቲ

ትራክትታት

ቪድዮታት

ወረቐት ዕድመ

ካርድታት ኣድራሻ

^ ሕ.ጽ. 3 ካብቲ ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ቐንዲ ናውቲ ዘይኰነ ገሊኡ ሕታማት፡ ንእተወሰኑ ሰማዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ተጻሒፉ። እዚ ድማ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ይኽእል እዩ።