ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማርቆስ 5–6

የሱስ፡ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና ኼተንስኦም ስልጣን ኣለዎ

የሱስ፡ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና ኼተንስኦም ስልጣን ኣለዎ

5:38-42

  • እነፍቅሮ ሰብና ምስ ሞተና፡ ሓዘን እንተ ተሰምዓና፡ ኣብ ትንሳኤ እምነት ከም ዘይብልና ዜርኢ ኣይኰነን (ዘፍ 23:2)

  • ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነስተንትነሉ፡ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ይዓቢ

ኣብ ትንሳኤ ንመን ክትቅበል ኢኻ ብሃንቀውታ እትጽበ፧

እተፍቅሮ ሰብ ካብ ሞት ተንሲኡ ኽትረኽቦ ኸለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ብኸመይ ትስእሎ፧