ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

መለኮታዊ ትምህርቲ ስዓብ

መለኮታዊ ትምህርቲ ስዓብ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሆዋ፡ ብሉጽ ትምህርቲ የቕርበልና እዩ። ህይወትና ብኸመይ ከም እነመሓይሽ ይምህረናን ንዜደንቕ መጻኢ የዳልወናን እዩ፣ ነዚ ድማ ብናጻ ኢና እንረኽቦ። (ኢሳ 11:6-9፣ 30:20, 21፣ ራእ 22:17) የሆዋ ብመለኮታዊ ትምህርቲ ኣቢሉ፡ ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ንኻልኦት ከነካፍሎም የዕጥቐና እዩ።—2ቈረ 3:5

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ትሕትናን ዓቕልን ኣማዕብል።—መዝ 25:8, 9

  • ነቲ ሕጂ ኽትረኽቦ እትኽእል ስልጠና ተቐበል፣ ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ዚቐርብ ክፍሊ ተምሃራይ ኣቕርብ

  • ንርእስኻ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ።—ፊል 3:13

  • ንተወሳኺ ስልጠና ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ መስዋእቲ ኽፈል።—ፊል 3:8

ነታ ትምህርቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ የሀብትም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እንታይ ዕንቅፋታት እዮም ሰጊሮም፧

  • ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ስልጠና እዩ ዚህብ፧

  • ኣባላት ጉባኤ ነቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እተመረቑ፡ ኣብቲ ሓድሽ ምድቦም እንታይ ሓገዝ እዮም ዚገብሩሎም፧

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምምዝጋብ እንታይ ብቕዓት እዩ ዜድሊ፧ (kr 189)

  • ኣብ ውድብ የሆዋ እንታይ ካልእ ስልጠና ኽትወስድ ትኽእል፧

መለኮታዊ ትምህርቲ እንተ ስዒብካ፡ እንታይ በረኸት ኢኻ እትረክብ፧