ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንበዓል ዝኽሪ ብኸመይ ክትዳሎ ኢኻ፧

ንበዓል ዝኽሪ ብኸመይ ክትዳሎ ኢኻ፧

ካብዚ ዓመት እዚ ጀሚሩ፡ ንበዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምድላው ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ኽንረክብ ኢና። በዓል ዝኽሪ ኣብ መንጎ ሰሙን እንተ ውዒሉ፡ ኣኼባ ክርስትያናዊ ህይወትን ኣገልግሎትን ኣይግበርን እዩ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን እንተ ውዒሉ ኸኣ ህዝባዊ መደረን ግምቢ ዘብዐኛን ኣይግበርን እዩ። ኣብ መደባትካ ንዘሎ ተወሳኺ ግዜ ጽቡቕ ጌርካ ኽትጥቀመሉ ሓሲብካ ዲኻ፧ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ፡ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ እውን ግብራዊ መሰናድዎ ኺግበር ኣለዎ። (ሉቃ 22:7-13km 3/15 1) እንተ ዀነ ግና፡ ኵላትና ልብና ኸነዳሉ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ሕሰብ።—1ቈረ 11:23-26

  • ምስ የሆዋ ንዘሎካ ብሕታዊ ርክብ ብጸሎት ሕሰበሉ።—1ቈረ 11:27-29፣ 2ቈረ 13:5

  • ብዛዕባ ኣገዳስነት በዓል ዝኽሪ ዜጕልሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዓንቀጻት ኣንብብ፡ ብዛዕባኡ ድማ ኣስተንትን።—ዮሃ 3:16፣ 15:13

ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዚርከብ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብዎን የስተንትኑሉን እዮም። ገሊኦም ድማ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰሌዳ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ እዮም። ገሊኦም ከኣ ነቲ ብዛዕባ በዓል ዝኽርን ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዘርኣዩና ፍቕርን ዚገልጽ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ይኽልስዎ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ እትመርጾ መደብ መጽናዕቲ፡ ናብ የሆዋን ናብ ወዱን ብዝያዳ ኬቕርበካ ንምነ።