13-19 ሚያዝያ
ዘፍጥረት 31
መዝሙር 112ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ያእቆብን ላባንን ኪዳን ሰላም ገበሩ”፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 31:44-46—ያእቆብን ላባንን ኣብቲ መኣዲ ኺዳን ዝበልዑሉ ቦታ፡ ኣእማን ጨርሑ (it-1 883 ¶1)
ዘፍ 31:47-50—ነቲ ቦታ ድማ ጋልዔድን ግምቢ ዘብዐኛን ኢሎም ሰመይዎ (it-2 1172)
ዘፍ 31:51-53—ኣብ መንጎኦም ሰላም ኪገብሩ ተመሓሓሉ
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
ዘፍ 31:19—ራሄል ነቲ ንብረት ኣቦኣ ዝዀነ ተራፊም ዝሰረቐቶ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (it-2 1087-1088)
ዘፍ 31:41, 42—“ብቐሊሉ ዘይሕጐሱ” ኣስራሕቲ ምስ ዜጋጥሙና፡ ያእቆብ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (1ጴጥ 2:18፣ w13 15/3 21 ¶8)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘፍ 31:1-18 (th መጽናዕቲ 10)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ቪድዮ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ፡ ድሕሪኡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦ እታ ሓብቲ ንኣወዓዕላ ጥቕስታት ዘነጸረቶ ብኸመይ እያ፧ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ዘንበረት ብኸመይ እያ፧
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ድማ ስገሮ። (th መጽናዕቲ 4)
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ድሕሪኡ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርክት እሞ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ 5 ዘሎ ሓሳብ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (th መጽናዕቲ 8)
ክርስትያናዊ ህይወት
ንዘይንጡፋት ኣተባብዓዮም፦ (20 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ነታ የሆዋ ንኣባጊዑ ይሓልየለን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንገለ እቲ ኣብታ ናብ የሆዋ ተመለስ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 14 ዚርከብ ነጥብታት ብውዕዉዕ ስምዒት ከልሶ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 60
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
መዝሙር 23ን ጸሎትን