ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰኒ እንታይ እዩ፧

ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰኒ እንታይ እዩ፧

ያእቆብ ሓደ ኣዝዩ ዜገድስ ነገር—በረኸት የሆዋ—ንምርካብ ምስ መልኣኽ ተቓለሰ። (ዘፍ 32:24-31፣ ሆሴ 12:3, 4) ንሕናኸ፧ ንየሆዋ ኽንእዘዞን በረኸቱ ኽንረክብን ሓያል ጻዕሪ ንምግባር ፍቓደኛታት ዲና፧ ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ኻብ ምእካብን ተወሳኺ ሰዓት ካብ ምስራሕን ምርጫ እንተ ዚቐርበልና፡ ነየናይ ምመረጽና፧ ንየሆዋ ኻብ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን እቲ ዝበለጸ እንተ ሂብናዮ፡ ‘ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለና በረኸት’ ኬፍስሰልና እዩ። (ሚል 3:10) ኪመርሓናን ኬዕቝበናን ዜድልየና ዘበለ ኼማልኣልናን እዩ።—ማቴ 6:33፣ እብ 13:5

ነታ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣተኵር ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ንሓብትና እቲ እትፈትዎ ነገር ፈተና ዝዀና ብኸመይ እዩ፧

  • ስራሕና ፈተና ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • ጢሞቴዎስ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል እኳ እንተ ነበረ፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ኬውጽእ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧—1ጢሞ 4:16

  • ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰካ እንታይ እዩ፧

    ‘ቀንዲ ዕዮና’ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ነርኢ፧