ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 32-33

በረኸት ንምርካብ ትቃለስዶ ኣለኻ፧

በረኸት ንምርካብ ትቃለስዶ ኣለኻ፧

32:24-28

በረኸት የሆዋ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣብ ህይወትና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ክንጋደል ኣሎና። (1ቈረ 9:26, 27) ክርስትያናዊ ሓላፍነትና ኽንፍጽም ከለና፡ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ያእቆብ ኣብነት ይዀነና እዩ። በረኸት የሆዋ ኽንረክብ ከም እንደሊ፡ በዚ ዚስዕብ ከነርኢ ንኽእል ኢና፦

  • ንኣኼባታት ጉባኤ ጽቡቕ ጌርና ብምድላው

  • ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲርና ብምክፋል

  • ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኽንሕግዝ ብምጽዓር

ኵነታትካ ኽሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ብዘይምቍራጽ ጸሊ፡ ንዕኡ ምእንቲ ኸተገልግሎ ድማ፡ ሓያል ጻዕሪ ግበር።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሐተታ፦ ‘በረኸት የሆዋ ምእንቲ ኽረክብ፡ ኣብ ኣየናይ መዳይ ህይወተይ እየ ሓያል ጻዕሪ ኽገብር ዝኽእል፧’