ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ”

“ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ”

ያእቆብ ንኣምልኾ ጣኦት ዚኽልክል ሕጊ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን እውን፡ ንበይኑ ተወፋይነት ዚግብኦ ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 20:3-5) ስለዚ፡ የሆዋ ንያእቆብ ናብ ቤት-ኤል ኪምለስ ምስ ነገሮ፡ ያእቆብ ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ጣኦታቶም ኬርሕቑ መምርሒ ሃቦም። ድሕሪኡ፡ ያእቆብ ንዅሉ ጣኦታት፡ እንተላይ ነቲ ኸም ክታብ ዚቍጸር ቀላብቲ ኣወገዶ። (ዘፍ 35:1-4) የሆዋ በቲ ያእቆብ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸም እተሓጐሰ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ሎሚኸ፡ ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ክንህቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ፈለማ፡ ምስ ጣኦታት ወይ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር ብምውጋድ እዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ስሒር እተተሓሓዘ ነገራት ምውጋድን መዘናግዒና ብጥንቃቐ ምምርማርን የጠቓልል። ንኣብነት፡ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘በቲ ብዛዕባ ቫምፓየራት፡ ዞምቢታት፡ ወይ ካልእ ልዕለ ባህርያዊ ነገራት ዚገልጽ መጻሕፍቲ ወይ ፊልምታት እዘናጋዕ ድየ፧ ንስሒር፡ ንስራይ፡ ወይ ንኣስማት ከም ዘይጓዳእ ገይሩ ብዜቕርብ መዛናግዒ እዘናጋዕ ድየ፧’ ካብቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንርሕቕ ኣሎና።—መዝ 97:10

ነታ ንድያብሎስ ተጻረርዎዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ነታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ፓሌሳ፡ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዋ፧

  • ምስ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ነገር ኬጋጥም ከሎ፡ ሓገዝ ሽማግለታት ምሕታት ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ንድያብሎስ ተጻረሮ፡ ንኣምላኽ ድማ ቅረቦ።—ያእ 4:7, 8

    እቶም ዕቝባ የሆዋ ዚደልዩ፡ ካብ ምንታይ እዮም ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቑ ዘለዎም፧

  • ፓሌሳ እንታይ ቈራጽ ስጕምቲ እያ ወሲዳ፧

  • ኣብ ከባቢኻ፡ ገለ ኻብቲ ኻብ ጽልዋ ኣጋንንቲ እትርሕቐሉ መገድታት እንታይ እዩ፧