ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
●○○ ናይ ፈለማ ምብጻሕ
○●○ ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ
ሕቶ፦ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጽሞ ብኸመይ ንፈልጥ፧
ጥቕሲ፦ ኢሳ 55:11
ንዚቕጽል፦ ኣምላኽ ዕላማኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ህይወት እንታይ ኪመስል እዩ፧
○○● ካልኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ
ሕቶ፦ ኣምላኽ ዕላማኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ህይወት እንታይ ኪመስል እዩ፧
ጥቕሲ፦ መዝ 37:10, 11
ንዚቕጽል፦ ካብ ተስፋታት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
ወፈራ ዕድመ በዓል ዝኽሪ (14 መጋቢት–7 ሚያዝያ)፦
“ሚልዮናት ሰባት ናብ ዜኽብርዎ ሓደ ፍሉይ በዓል ክንዕድመካ ኢና መጺእና። እዚ ድማ ሞት የሱስ ዚኽበረሉ በዓል እዩ።” ወረቐት ዕድመ ሃቦ። “እዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ፡ እቲ በዓል ኣብ ከባቢና ዚኽበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ። ኣብታ ቕድሚኣ ዘላ ሰሙን ንዚቐርብ ፍሉይ መደረ መጺእካ ኽትሰምዕ እውን ንዕድመካ።”
ንዚቕጽል (ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩ)፦ የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧