ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

6-12 ሚያዝያ

ሰሉስ 7 ሚያዝያ 2020​—በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ

6-12 ሚያዝያ

በብዓመቱ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ብዛዕባ እተን የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘርኣዩና ኽልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ የስተንትኑ እዮም። (ዮሃ 3:16፣ 15:13) ነዚ ሰሌዳ እዚ ተጠቒምካ፡ ንጸብጻባት ወንጌል እቲ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት ክትምርምሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብታ የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ክፋል 6 ተገሊጹ ኣሎ። ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ክርስቶስን ብኸመይ ኪድርኸካ እዩ፧—2ቈረ 5:14, 15፣ 1ዮሃ 4:16, 19

የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት

ግዜ

ቦታ

ፍጻመ

ማቴዎስ

ማርቆስ

ሉቃስ

ዮሃንስ

33፡ 8 ኒሳን (1-2 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ

የሱስ፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ኣብኡ በጽሐ

 

 

 

11:55–12:1

9 ኒሳን (2-3 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ

ማርያም ንርእሱን ንኣእጋሩን ዘይቲ ለኸየት

26:6-13

14:3-9

 

12:2-11

ቢታንያ-ቤት-ፋጌ-የሩሳሌም ብዓጀባ

ናብ የሩሳሌም ኣተወ፣ ኣድጊ ተወጥሐ

21:1-11, 14-17

11:1-11

19:29-44

12:12-19

10 ኒሳን (3-4 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ-የሩሳሌም

ንኦም በለስ ረገማ፣ ካልኣይ ሳዕ ንቤተ መቕደስ ኣጽረያ

21:18, 19; 21:12, 13

11:12-17

19:45, 46

 

የሩሳሌም

ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ

 

11:18, 19

19:47, 48

 

የሆዋ ተዛረበ፣ የሱስ ብዛዕባ ሞቱ ተነበየ፣ ኣይሁድ ብዘይምእማኖም ትንቢት ኢሳይያስ ተፈጸመ

 

 

 

12:20-50

11 ኒሳን (4-5 ሚያዝያ 2020)

ቢታንያ-የሩሳሌም

ካብታ ዝነቐጸት ኦም በለስ እተረኽበ ትምህርቲ

21:19-22

11:20-25

 

 

የሩሳሌም፡ ቤተ መቕደስ

ብዛዕባ ስልጣኑ ሕቶ ቐረበ፣ ምሳሌ ኽልተ ደቂ

21:23-32

11:27-33

20:1-8

 

ምሳሌታት፦ ቀተልቲ ዝዀኑ ሓረስቶት፡ መርዓ

21:33–22:14

12:1-12

20:9-19

 

ብዛዕባ ኣምላኽን ቄሳርን ትንሳኤን ዝዓበየት ትእዛዝን ዝቐረበሉ ሕቶታት መለሰ

22:15-40

12:13-34

20:20-40

 

ነቶም ህዝቢ፡ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እንተ ዀይኑ ሓተቶም

22:41-46

12:35-37

20:41-44

 

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ወይለኦም

23:1-39

12:38-40

20:45-47

 

መባእ ሓንቲ መበለት ኣስተብሃለ

 

12:41-44

21:1-4

 

ደብረ ዘይቲ

ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ምልክት ሃበ

24:1-51

13:1-37

21:5-38

 

ምሳሌታት፦ ዓሰርተ ደናግል፡ ታለንት፡ ኣባጊዕን ኣጣልን

25:1-46

 

 

 

12 ኒሳን (5-6 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌም

መራሕቲ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ተማኸሩ

26:1-5

14:1, 2

22:1, 2

 

ይሁዳ ኣሕሊፉ ኺህቦ ተወዓዓለ

26:14-16

14:10, 11

22:3-6

 

13 ኒሳን (6-7 ሚያዝያ 2020)

ጥቓን ኣብን የሩሳሌም

ምድላዋት ናይ መወዳእታ ፋስጋ

26:17-19

14:12-16

22:7-13

 

14 ኒሳን (7-8 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌም

ምስ ሃዋርያት ፋስጋ በልዐ

26:20, 21

14:17, 18

22:14-18

 

ኣእጋር ሃዋርያት ሓጸበ

 

 

 

13:1-20

የሱስ፡ ይሁዳ ኸዳዕ ምዃኑ ሓቢሩ ኻብ መንጎኦም ኣውጽኦ

26:21-25

14:18-21

22:21-23

13:21-30

ድራር ጐይታ ሰርዐ (1ቈረ 11:23-25)

26:26-29

14:22-25

22:19, 20, 24-30

 

ጴጥሮስ ከም ዚኽሕድን ሃዋርያት ከም ዚብተኑን ተነበየ

26:31-35

14:27-31

22:31-38

13:31-38

ሓጋዚ ኸም ዚልእከሎም ኣተስፈዎም፣ ምሳሌ ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ፣ ኪፋቐሩ ኣዘዘ፣ ንመወዳእታ ግዜ ምስ ሃዋርያት ጸለየ

 

 

 

14:1–17:26

ጌተሴማኔ

ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ተሳቐየ፣ የሱስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን

26:30, 36-56

14:26, 32-52

22:39-53

18:1-12

የሩሳሌም

ብሃና ተሓትተ፣ ብቀያፋን በቲ ዋዕላን ተመርመረ፣ ጴጥሮስ ከሓዶ

26:57–27:1

14:53–15:1

22:54-71

18:13-27

ይሁዳ እቲ ኸዳዕ ተሓንቀ (ግብ 1:18, 19)

27:3-10

 

 

 

ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ፡ ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ሄሮድስ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ

27:2, 11-14

15:1-5

23:1-12

18:28-38

ጲላጦስ ኪፈትሖ እኳ እንተ ደለየ፡ ኣይሁድ በርባን ኪፍትሓሎም ለመኑ፣ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪስቀል ተፈርዶ

27:15-30

15:6-19

23:13-25

18:39–19:16

(ከ.3:00 ድ.ቀ.)

ጐልጎታ

ኣብ ጕንዲ ስቅያት ሞት

27:31-56

15:20-41

23:26-49

19:16-30

የሩሳሌም

ንሬሳኡ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣንበርዎ

27:57-61

15:42-47

23:50-56

19:31-42

15 ኒሳን (8-9 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌም

ካህናትን ፈሪሳውያንን ነቲ መቓብር ሓለውቲ ገበሩሉን ሓተምዎን

27:62-66

 

 

 

16 ኒሳን (9-10 ሚያዝያ 2020)

የሩሳሌምን ከባቢኣን፣ ኤማሁስ

የሱስ ተንስአ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ሓሙሽተ ሳዕ ተራእዮም

28:1-15

16:1-8

24:1-49

20:1-25

ድሕሪ 16 ኒሳን

የሩሳሌም፣ ገሊላ

ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ተራእዮም (1ቈረ 15:5-7፣ ግብ 1:3-8)፣ ኣዘዞም፣ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ መዘዞም

28:16-20

 

 

20:26–21:25